ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ምቁጽጻር ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ‘ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብመንገዲ ክታበት ነጥፍኣዮ’ ብዝብል ቴማ፡ ብ27 መስከረም ኣብ ኣስመራ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ጨናፍር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ዞባታት፡ ከምኡ’ውን ሞያውያን ጥዕናን
ሕርሻን ዝተረኽቡሉ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-ዘተ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብተሳትፎ ምምሕዳራትን ህዝብን ካብ ኤርትራ ነበረ’ያ ነበረ ከምዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።

ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ኣብ ዞባ ማእከል ዝተኻየደ ጻዕሪ ብዝምልከት፡ ዛጊት 8600 ኣኽላባት ከምእተኸትቡ፡ ኣስታት 6000 ፋሉላት ድማ ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ከምዘሎ፡ ምስ ብዝሒ – ልዕሊ 20 ሽሕ ኣኽላባት ድማ፡ ምትእትታው ክታበት ኣገዳሲን እዋናውን ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም፡
ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ ዝቐረበ ርእይቶታት፡ ምስ’ቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝቐረበ ንድፊ ተወሃሂዱ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ዞባታት ተላኢኹ – ዝውሰኽ ተወሲኹዎ ናብ ትግባረ ክሰጋገር ምዃኑ ገሊጹ።

ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብመንከስቲ ዝተለኽፈ ከልቢ ዝስዕብ ኮይኑ፡ ንስርዓተ-መትኒ ኣጥቂዑ ንሞት ዘቃልዕ ሓደገኛ ሕማም እዩ።

Categories