ኤርትራውያን ነበርቲ ኣቡዳቢን ከባቢኣንሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ጁባ-ሪፓብሊክ
ደቡብ ሱዳንን፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ዘተኰረ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድዑመር፡ ብ20 መስከረም ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣቡዳቢን ከባቢኣን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ብዛዕባ ዝሰላሰል ዘሎ ፕሮጀክትታት መብርሂ ሂቡ።

ኣምባሳደር ዑስማን ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ውዳቤ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባ፡ ብ22 መስከረም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብሓላፊ ኮማዊ ጉዳያት መንእሰይ ፉኣድ መሓመድ ዝተመርሐ ዓውደ-ዘተ፡ብመንጽር ዕላማታት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካውን ሃገራውን ንቕሓትን ተሳታፍነትን ህዝቢ፡ ኣብ ውዳበ፡ ቁጠባ ሃገር ኣብ ምድንፋዕን መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽን፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሊ ኣብ ምዂስኳስ. . . ዕቱብ ስራሕ ከምእተዓመ ተገሊጹ።

Categories