ሚኒስትሪ መሬት ማይን ኣከባብን፡ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ኣብ ኣስመራ – ኣብ ‘ሃገራዊ ልምዓት ሓምላይ ወፍሪ’ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኣብ’ዚ እንተላይ ስልጠና እውን ዘጠቓልል – ካብ 23 ክሳብ ሎሚ 26 መስከረም ዝቕጽል ዘሎ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሞያውያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከብባን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ እቲ ዓውደዘተ፡ ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣከባቢን ክሊማዊ ለውጥን ምፍላጥ፡ ከምኡ’ውን ሓበሬታ ምስናቕን ምልውዋጥን፡ ንጸገማትና ሓባራዊ መፍትሒ ምንዳይ፡ ምስ ኩለን መንግስታውያንን ብሕታውያንን ትካላት ብምዃን ድማ፡ ንሕቶ ኣከባቢ ዝግባእ መደባት ምሕንጻጽ ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ሚስተር ጋቦር ኢክሎዲ ብወገኑ፡ ዛዕባ ኣከባቢ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ዓቢ ጉዳይ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ከምዝገበረን ክስራሓሉ ከምዝጸንሐን ብምጥቃስ፡ ምትሕብባር ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ሓምላይ ወፍሪ፡ ህሉው ጸጋታት ዓለምና ንምዕቃብ፡ ንምስሳንን ንምምዕባልን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ ስልጠና ድማ፡ ካብ ኤውሮጳ ብዝመጹ ሰለስተ ክኢላታት ዝወሃብ ዘሎ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ ኣገዳስነት ዕቃበ ኣከባቢ ንዘላቒ ልምዓት ዘተኰረ እዩ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን ካልኦትን ይሳተፉ ኣለዉ።

Categories