ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ብ19 መስከረም ምስ ወከልቲ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ፡ ኣብ ኣድማዕነት ትግባረ ሕርሻውን ህንጻውን መደባት ልምዓት ዘትዩ።

ምስ ምጅማር ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020፡ ወለዲ – ዕድመኡ ንትምህርቲ ዝኣኸለ ውላዶም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኩ ዘዘኻኸረ ኣቶ ዓሊ፡ ፋሕ ኢሉ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ብዝቐልጠፈ ተጠርኒፉ፡ ተረባሒ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክኸውን ኣተሓሳሲቡ።

ኣኼበኛታት፡ ጽርግያ ባልዋ-ኢራ ብውሕጅ እናተባሕጎጐ ልዕሊ ዓቕሚ ህዝቢ ይኸውን ብምህላዉ ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ክግበረሎም፡ መስርሕ ህንጸት ኣባይቲ ኣብ ሓውሲ ከተማ ኤደን ክቀላጠፍ፡ ታሪፍ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ምቁጽጻር ክግበረሉ፡ ውሕስነት ማይ ከባቢ እድርባ ፍታሕ ክናደየሉ. . . ዝብልን ካልእን ሕቶታት ኣቕሪቦም።

Categories