ሎሚ ዓመት ብዝወቕዐ ዝኑቕ ዝርጋሐን ዓቐንን ዝነበሮ ዝናብ፡ ኩነታት ዘራእትን መጋሃጫን ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ኣብ ትስፉው ደረጃ ከምዝርከብ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ብ19 መስከረም ኣብ ባረንቱ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ንህልው ኩነታት ክራማትን ዘራእትን ብዝምልከት ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ዘካየድዎ ርክብ፡ ክራማት ሎም-ዘበን ኣብ ምጅማሩ ሓላፍዘላፍ እኳ እንተነበሮ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ጽቡቕ ክሃርም ብምጽንሑ፡ ዝበዝሐ ዘራእቲ ኣብ ደረጃ ምውላድን ምሽዋትን ከምዝርከብ ገሊጾም።

ብፍላይ ንጥሪት ዝኸውን ሳዕርን ቃንጫን ከምኡ’ውን ዲጋታትን ራህያታትን ዝዓቘራኦ ማይ – ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ስለዝርከብ፡ ዝቕጽል ዓመት ንጥሪት ዝኸውን መግብን ማይን ስክፍታ ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ካብተን 16 ንኡሳን ዞባታት፡ ብዘይካ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ሰልዓ፡ ከርከብትን ፎርቶን፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ገለ ዝናብ እንተ ሃሪሙ ኣብ ዘራእቲ ዘሰክፍ ከምዘየለ፡ መጋሃጫ ጥሪት ግን ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዘተኣማምን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ሕርሻዊ እቶት ኣብ ቆፎ ክሳብ ዝኣቱ ዘተኣማምን ስለዘይኮነ፡ ቀጻሊ ምክትታልን ጥንቃቐን ክካየድ ተላብዩ።

ናይ ሎም-ዘመን ዘራእቲ ኣብቲ ዞባ፡ እቲ ዝሰፍሐ መሸላ ኮይኑ፡ ብልቱግ፡ ስምስምን ጥረታትን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories