ዞባ ደቡብ፡ ካብ 22 ክሳብ 26 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈስቲቫል ዘቕረቦ – ኣብ መጽናዕትን ስነ-ጥበባዊ ምህዞታትን ዝተመርኰሰ ትሕዝቶ፡ ባህልን ያታዊ ውርሻታትን ሕብረተ-ሰብና ብዕምቈት ንምብርባርን ንምዕቃብን ድርኺት ዝፈጥር ምንባሩ፡ ብ20 መስከረም ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ብኮሚተታት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ሳላ ሓያል ተበግሶን ውህደትን፡ ነቲ ሓደጋ ምጥፋእ ኣንጸላልዩዎ ዝጸንሐ ያታዊ ወግዕታት፡ ናውትታትን መሳርሒታትን ተፈቲሹ ንምርኢት ከምዝቐረበ፡ እዚ ድማ ውጽኢታዊ ምንባሩ ኣነጺሩ።

ምርኢት ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን፡ ኣብ’ቲ ዞባ በብከባቢኡ ዝጽወቱ ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ደርፍታትን ዜማታትን ኣዋሃሂዱ ከቕርብ ምኽኣሉ ብልጫ ከምዝነበሮ ክበርህ እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ሕጽረት ክኢላታት ተላሃይትን ሙዚቀኛታትን ንምፍዋስ ተበግሶታት ክውሰድ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ዋና ዳረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ፡ ኣብ ፈስቲቫል ብደረጃ ዞባ ደቡብ ዝቐረቡ ምርኢታት ተዋዳደርትን ንነጋድያን ዝመሰጡን ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ባህላዊ ፍርያት’ቲ ዞባ ኪንዮ’ቲ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ዝቐርብ ምርኢታት፡ ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታት ንህዝቢ ንምቕራቦምን ብቪድዮ ክሊፕ ንምዝርጋሖምን ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ቁጽሪ ሞያውያን ሙዚቃ ብምስሳን ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ናይ ስነ-ጥበብ ጉጅለታት ዝምስረታሉ ባይታ ተፈጢሩ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃም፡ ቀጻሊ መጽናዕቲ እናተገብረ ባህላዊ ፍርያት ንምሕያል ጻዕርታት ከምዝካየድ ሓቢሩ።

ጸሓፊት ህግደፍ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣመተ ንጉሰ ድማ፡ ሕብረተ-ሰብ ያታዊ ባህሉን ክብርታቱን ዓቂቡ ናብ ወሎዶታት ንኸሰጋገሮ፡ ተራን ኣበርክቶን ኣብቲ ዓውዲ ናይ ዝነጥፉ ሞያውያን ክዓዝዝ ኣዘኻኺራ።

ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2019፡ ብያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃን ኣዳራሽ ምርኢትን ቀዳመይቲ፣ ብምርኢት ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ድኰና ኣባይትን ከኣ ሳልሰይቲ ከምዝወጸት ይዝከር።

Categories