ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ – ምምሕዳር ከባቢ ዳዕሮ-ጳውሎስ እትርከብ ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲ፡ ነበርቲ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ብ1.4 ሚልዮን ናቕፋ ሓድሽ ክፍልታት ተሰሪሑላ፡ ናብ ማእከላይ ደረጃ ተሰጋጊራ።

ብ22 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤትትምህርቲ መምህር ኣንጎሶም ኣለም፡ ህዝቢ ብዝወሰዶ ተበግሶ – ሎሚ ዓመት ግቡእ ኣገልግሎት ምምሃርን ምስትምሃርን ዝህብ – ነፍሲ-ወከፉ ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሓዘ ክልተ ሓደስቲ ብሎካት ድልው ምህላዉ ብምሕባር፡ 4 ክፍልታት ናይ ዘለዎ ተወሳኺ ብሎክ እውን እምነ-መሰረት ከምእተነብረ ገሊጹ።

በዚ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ንምቕጻል፡ ናብ ሰምበልን ዓዲ-ጓዕዳድን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ተመሃሮ ዓድታት ዳዕሮ-ጳውሎስን ምስጋድን፡ ጸገሞም ከምእተቓለለ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ ድማ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዳዕሮ-ጳውሎስ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ መግለጺ ናይ’ቲ ወለዲ ንምዕባለ ደቆም ዘለዎም ራኢ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጒምቲ ንካልኦት ዓድታት ኣርኣያ ክኸውን ከምዝኽእል እምነቱ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ እቲ ተበግሶ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓትን ኣተሓሳስባን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ጠለባት ናውቲ ትምህርቲ ክማልኣሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories