ካብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዶክተር ጸጋይ መዲን፡ ንተመሃሮ ኣባላት መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መማህራን ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎን ኣባላት ማእከል ሞያዊ ስልጠናን፡ ኣብ ባህላዊ ውርሻን መንነትን ዘተኰረ ሰሚናር ሂቡ።

ኣብ’ቲ ብ21ን 22ን መስከረም ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ዶክተር ጸጋይ፡ ክብርታት፡ ቅርስታት፡ ብሂላት፡ ሓሳባት፡ እምነታት፡ ያታታት፡ ወግዕታት፡ በዓላት፡ ሕግታት፡ ጽውጽዋያት፡ ታሪኽን ጥበባትን መግለጺን መለለይን ባህላዊ መንነት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ብሰፊሑ ገሊጹ።

ኣብ ወሽመጥ ዙላ – ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ክሳብ 125 ሽሕ ዓመታት ዘቑጸረ ኣሰር ወዲ-ሰብ ከምእተረኽበ፡ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 2 ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ዝዝርግሑ ናይ ኣኻውሕ ቅብኣታትን ውቕሮታትን ድማ ኣብ ከባቢታት ዓዲቐይሕ፡ ጸሮና፡ ማይ-ዓይኒ፡ ጋላ-ነፍሒ፡ ናቕፋ፡ ቅሮራ፡ ኣስማጥ፡ ማዕበለን ካልኦትን ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ብግቡእ ተጸኒዑ ክስነድ፡ ክዕቀብን ኩሉ ዜጋ ክፈልጦን ይስራሓሉ ከምዘሎ ዶክተር ጸጋይ ኣረዲኡ።

“መኸተን ሓርበኝነትን፡ ኣካል መንነትናን ፍሉይነትናን እዩ” ዝበለን ኣብነታት ዘቕረበን ዶክተር ጸጋይ፡ መንነትና፡ ባህልናን ታሪኽናን ንምብራዝ ንዝካየድ ፈተነታት፡ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓት ክምክቶ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ረቀቕቲ ባህላዊ ውርሻታትና ኣቓልቦ ክወሃቦም፡ ታሪኽናን ባህልናን ኣብ መባእታዊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ክተኣታቶ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝገዓዙ ባህላዊ ውርሻታትና ንምምላሶም ዝግበር ጻዕሪ ክድፋኣሉ. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories