ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና ከም ምዃኑ መጠን፡ ጉዳይ ጸጥታኡን ርግኣቱን ዓቢ ዞባዊን ዓለማዊን ኣርእስቲ እዩ። ነተን መዳውብቲ’ዚ ባሕሪ’ዚ ዝኾና ሃገራት ከኣ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።

ምስ ጂኦ-ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን ዝተፈላለየ ዓለማዊን ዞባዊን ምሕቋናትን፡ እቲ ጉዳይን ክብደቱን ዘይክሓድ ኮይኑ፡ ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ’ዚ፡ ናይ ሃገራት’ዚ ገማግም ኣበርክቶ፡ ወሳኒን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ። ዘድምዕ ጥሙር ጉልበት ምፍጣር ድማ፡ ምስ ንጹር ስትራተጂን ውርጹጽ ውጥንን፡ ግዜን ዕቱብነትን ጸጋታትን ይሓትት። ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ ከኣ፡ ናብዚ ሸቶ’ዚ ዝዓለሙ እዮም።

ናይ ኤርትራ መርገጺን ኣመለኻኽታን ኣብዚ ሓባራዊ ሸቶ’ዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 21-22 ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ጅዳ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝተጋብአ ዞባዊ ዋዕላ ተነጺሩ ነይሩ እዩ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ሕመረት መትከላት ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

1) ህልዊ ኩነታት ቀይሕ-ባሕሪን ላቔባታቱን፡ ብኹሉ ማእዝናቱን ማዕዶታቱን (dimensions) ብዘይ ዝዀነ ዘውጊ ምግምጋም፣

2) ኪውቅዑ ወይ ኪጭበጡ ዝድለዩ ወይ ዘለዎም ዕላማታትን ሸቶታትን ምንጻር፣

3) ስግኣታት (threats) ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ብደቂቕ ምልላይ፡ ምክዋም (categorise); ምኽታይ (define)፣

4) ኣብ ሃናጺ ዕላማታትን ሸቶታትን ዘብጽሕ ስትራተጂ ምቕያስ፣

5) ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣዎንታ፡ ስግኣታት መመከቲን መእለዪን ስትራተጂ ምቕያስ፣

6) ንኽልቲኡ ስትራተጂታት ኣጣሚሩ ከተግብር ዝኽእል፡ ዝርዝራዊ ውጥናት ምርቃቕ፣

7) ናይ ትግባረ ኣወዳድባ (መካኒዝም) ምውቃርን ጸጋታት ምጉስጓስን፣

8) ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን ልዑላውነትን ኣህጉራዊ ሕጊን ከምዝምእዘዝ ምርግጋጽ፣

9) ኩሉን ዝምልከተን ሃገራት ናይ ባዕለን ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ሓይሊ-ባሕሪን (ብዘይ መተካእታ) ከምዝሃንጻ ምግባር፣

10) ኪኖ ዘቤታዊ ዓቕሚታትን ብቕዓትን ዝዀነ፡ ብሓባራዊ ዓቕሚ (ሲነርጂ) ከምዝሽፈን ምግባር፣

11) ኩለን ዝምልከተን ሃገራት ልዕሊ ሓባራዊ ዓቕመን ንዝዀነ ወይ ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር ብዝሰማምዓሉ መሰረት ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ሕጋዊ ባይታ ፈጢረን ክሰርሓ፣

12) ንኹሉ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥቢታት ብሞያውነት ዘጽንዕ ኣካላት ምቛም።

ሚኒስትሪ ዜና

23 መስከረም 2019

Categories