ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ምስ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ ዝተኣሳሰሩ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድን ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ንምትእትታውን ዝነጥፋ ኮሚተታት፡ ልዕሊ 160 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ጐስጓስ ከምዘካየዳ፡ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ብ18ን 19ን መስከረም ዝተኻየደን ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተወከሉ ልዕሊ 100 ኣባላት’ተን ኮሚተታት፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ ደቡቡን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ጸብጻብ ዝተሰላሰለ ዕማም ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ክሳብ ብደረጃ ዓዲ ዝተዘርግሐ መሓውር ናይ’ተን ኮሚተታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ካብ ምስራጽ ንቕሓት ክሳብ ትግባረ ዝኸይድ ውጽኢታዊ ስራሕ ከምዝዓመማ በሪሁ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ፡ ኮሚተ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ ክሽቦን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ንምብራኽ ንልዕሊ 83 ሽሕ ህዝቢ፡ ኮሚተ ኮም ዝመርሖ ሓበራዊ ጽሬት ድማ ንልዕሊ 80 ሽሕ ህዝቢ ጐስጓሳት ከምዘካየዳ ገሊጹ።

እተን ብዘይ ባጀት ክነጥፋ ዝጸንሓ ኮሚተታት ብዘካየድኦ ጻዕሪ፡ ኣብ ምትእትታው ዓይኒ ምድሪ ዘተባብዕ ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ፡ ኣብ ቈልዑ ዝካየድ – ከም ምኽላእ ዓንቀር ዝኣመሰለ ጐዳእቲ ልምድታት፡ ክሳብ ሞት ዘስዕብ ጥዕናዊ ጸገማት የኸትል ብምህላዉ፡ ህዝቢ ከወግዶ ተላብዩ።

ጸሓፊት ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ወ/ሮ ኣመተ ንጉሰ ድማ፡ ነቲ ዕማም ተመዚዘን ዘለዋ ኮሚተታት፡ ብልጫታተን ብምዕቃብን ድኽመታተን ብምፍዋስን ጻዕረን ክቕጽላ ኣዘኻኺራ።

Categories