ኣብ ‘ኣቢታቕ’ ዝተሰርሐት ዲጋ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብር ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ንነብሶምን ጥሪቶምን ዝኸውን ማይ ንምርካብ ነዊሕ ይጐዓዙ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝተሃንጸት ዲጋ ዝነበሮም ጸገም ከምእተፈትሐ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ዓዲ-በርበረ ኣቶ ጃበራ እንዱል፡ ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ተጓዒዞም ይሰትዩ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን‘ዚ፡ እታ ዝተሰርሓትሎም ዲጋ ማይ መሊኣ ነባሪ ፍታሕ ከም ዘረጋገጸትሎም ሓቢሩ።

ትሕቲ’ታ ዲጋ ብኣሕምልትን ፍረታትን ዝለምዕ – 25 ሄክታር መሬት ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ነታ ዲጋን ሒዛቶ ዘላ ማይን ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝርከብ ማይክዖታት ብወፈራታት ክፍወስ ኣዘኻኺሩ።

Categories