ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ‘ሆስፒታል ኦሮታ’ – ኣስመራ፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ኣለይትን በጻሕትን ዘጋጥሙ ጸገማት ንምቅላል ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ካብ ምምሕዳር’ቲ ሆስፒታል ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ፡ ሃንደበታዊ ሕማም ወይ ሓደጋ ንዘጋጠሞም – ህጹጽ ሞያዊ ሓገዝ ዝወሃበሉ ክፍሊ፡ ዋሕዲ ክኢላታትን መሳርሒታትን ከምዘለዎ፡ ኣባላቱ ብዘርእይዎ ውህደትን ምትዕጽጻፍን ግዳ፡ ኣገልግሎቱ ዝምስገን ምዃኑ እዮም ተገልገልቲ ዝገልጹ።

ኣቶ ሳልሕ ስዒድ፡ ንሳልሳይ ግዜኡ ሃንደበታዊ ምውዳቕ ምስ ኣጋጠሞ፡ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ከምዝመጸ፡ ብዝተገብረሉ ናብዮትን ብዝተለገሰሉ ሞያዊ ምኽሪን ኩነታት ጥዕናኡ ከም እተመሓየሸ፡ ምስ ዘሎ ብዝሒ ተገልጋሊ ሕጽረታት ክህሉ ንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ብተወፋይነት ናይቶም ሞያውያን እቲ ሕጽረት ኣብ ስራሕ ብዙሕ ከም ዘይንጸባረቕ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ናይ’ቲ ክፍሊ – ክኢላ ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር ተስፋስላሴ እዮብ፡ ረድኤት ዝደልዩ ካብ 70 ክሳብ 80 ዝኾኑ ሰባት መዓልታዊ ከምዝመጹ፡ እዚ ኣሃዝ’ዚ – ንዓኣቶም ዘሰንዩ ኣለይቲን በጻሕቲን ተደሚሮምዎ – እቲ ክፍሊ ስለዘዕለቕልቕ፡ ሓካይም ስራሖም ንምክያድ ይሽገሩ ምንባሮም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን፡ መፍትሒ ተገይሩሉ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምጥጣሕ ተኻኢሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዶክተር ተስፋስላሴ፡ ኣብ መጻኢ ንመጸበዪ ሕሙማትን ኣለይትን ዝኣክል ኣዳራሽ ንምስራሕ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዝኾነ ሕማም፡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃኡ ከይበጽሐ እንከሎ ምልላዩ – እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ስጉምቲ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዋና ነርስ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት፡ ነርስ ኣፈወርቂ ኣብርሃም፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምክንኻንን ምክትታልን ጥዕናኡ ብሓፈሻ፡ ካብ ከም ወቕዒ ልቢ፡ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ድማ ብፍላይ፡ ዕቱብ ቅድመ-ጥንቃቐ ክገብር ይመክር።

ሞያ ሕክምና፡ ናይ ብቕዓት ጥራይ ዘይኮነ – ናይ ሕልና እውን ብምዃኑ፡ ሞያውያን ብዝተኻእለ መጠን ስነ-ምግባር ከዘውትሩ እውን የዘኻኽር።

Categories