ብምምሕዳራት ዝተለለዩ 162 ደቂስዉኣት፡ ‘ማሕበር ትምህርቲ ምምራሕ መኪና’ ዞባ ማእከል ምስ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ብምትሕብባር ብዝኸፈቱሎም ዕድል፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ዝሕግዞም ናይ ካልኣይ ደረጃ ምምራሕ መኪና ትምህርቲ ብናጻ ይቐስሙ ኣለዉ።

እቶም ኣብ ኣስመራ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ነቲ ዝተወስደ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ንቐጻሊ ከስርሖም ዝኽእል ሞያ ክቐስሙ ዕድል ምርካቦም ከምዘሐጐሶም ገሊጾም።

ንሳቶም ኣስዒቦም፡ መማህራን ማሕበር ምትሕግጋዝ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና፡ ነቲ ብሰናይ ድሌቶም ዘበገስዎ መደብ፡ ኣብ ፈተና እውን ግዜ ከይወሰዱ ኣብ መፈጸምታ ከብጽሑዎም ኣዘኻኺሮም።

እቶም መማህራን ብጊደኦም፡ እቲ መደብ ሕልናዊ ዕግበት ከምዝፈጥረሎም ብምጥቃስ፡ ትምህርቶም ብብቕዓት ከምዝዛዝሙ ንምግባር ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ካብቶም ሰልጠንቲ፡ ናይ ጽሑፍ ፈተና ሓሊፎም ኣብ ናይ መሰናኽል ትምህርቲ ዝበጽሑ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ እቲ መደብ ኣካል ናይቲ መንግስትን ህዝብን ስድራ ሰማእታት ንምሕብሓብን ንምጥዋርን ዘካይድዎ ዘለዉ ዕማም ምዃኑ ብምሕባር፡ ቀጻልነት ክህልዎ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

Categories