ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ብ20 መስከረም ምስ ወከልቲ ህዝብን ሓረስቶትን ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣብ መደባት ልምዓትን ተሳትፎ ኮምን ዘትዩ።

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ህዝቢ ሽዕብ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ጸጋታትን ብመንግስቲ ዝግበረሉ ናይ ማሽነሪ ደገፍን ብግቡእ ተጠቒሙ፡ እቶቱ ንምስሳንን ፍግረመሬት ንምክልኻልን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሽዕብ፡ ብልዑል ወጻኢታት ዝተሃንጻ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ፡ መጠን ተሳታፍነት ተመሃሮ ግን – ምስ’ቲ ዝተገብረ ወፍሪ ዝዳረግ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ካብ ሰበኽ ሳግማዊ መነባብሮ ተገላጊሎም ቀዋሚ ሂወት ክመርሑን ደቆም ከምህሩን ኣዘኻኺሩ።

መሬት ናይ መንግስቲ ተጠቃምነቱ ግን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ዝጠቐሰ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ብህዝቢ ዝቐርቡ ጠለባትን ጥርዓናትን ብጽጹይ ኣጽኒዕካ፡ ኣብ ግዜኡ ምላሽ ክወሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ብወገኑ፡ ህዝቢ ሽዕብ ነቲ ንዘመናት እናተወራረሰ ዝመጸ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሉ ብምድንፋዕ፡ ስድራ ስውኣትን ጽጉማትን ኣብ ምጥዋር ብዕቱብ ክሰርሕ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ተባላሽዩ ዘሎ መስመር ጋሕቴላይ-ሽዕብ ቈላሕታ ክግበረሉ፡ ተዘርጊሑ ዘሎ መስመር ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ዝህበሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ቀጻሊ ዝበላሸዋ ዘለዋ ዒላታት ነባሪ ፍታሕ ክናደየለን. . . ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories