ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ ቅድመትምህርትን መባእታን ዝርአ ትሑት ውጽኢት ተመሃሮ ንምፍዋስ፡ ተራ ኮሚተ ኣብያተ-ትምህርትን ርእሳነመማህራንን ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ገብረየሱስ መለስ፡ ኣብ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ስዉእ ስዒድ ፈረጅን ሕድሪ ሰማእታትን ተወሰኽቲ ክፍልታትን ዓይኒ-ምድሪን ንምህናጽ፡ ህዝቢ ንዝወሰዶ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ውጽኢት ተመሃሮ ንምሕያል ብውህደት ክስራሕ ጸዊዑ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር ዓሊ ኣሕመድ ድማ፡ ምቁራጽ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ብደረጃ ዞባ 9 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ብምሕባር፡ እዚ ጉዳይ’ዚ እውን ዕቱብ ቈላሕታ ከምዘድልዮ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣመሓደርቲ ከባቢን ሱፐርቫይዘራትን፡ ዋሕዲ መጻሕፍቲ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዘለዋ መዋእለ-ህጻናት ዕቱብ ምክትታል ክግበረለን፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ዘይጀመራ ከባቢታት ክጅምራ፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ ክዓዝዝ. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories