ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምዕባይ፡ ተራን ኣበርክቶን ሕብረተሰብ ክዓዝዝ፡ ምስ ህዝቢ ምምሕዳራት ከባቢ ኢጊሮልን ሓመርትን – ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ተሓቲቱ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር ኸሊል ዑስማን፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ምስ’ቲ ኣብ’ተን ከባቢታት ዘሎ ኣገልግሎት ትምህርቲ ዝዳረግ ስለዘይኮነ፡ ወለዲ ብንቕሓት ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርተን ንምክትታል ናብ ኣሕዳሪት ቤትትምህርቲ ጢዖ ናይ ዝኸዳ ደቂኣንስትዮ ቁጽሪ ውሑድ ብምንባሩ፡ ነዚ ንምፍታሕ ኣብ ቀረባኦም ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ከም እተጀመረ፡ እንተኾነ – እቲ ተሳትፎ ከም’ቲ ዝድለ ብዘይምዕባዩ፡ እቲ ጸገም ተለልዩ ፍታሕ ክናደየሉ መምህር ኸሊል ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ኣቶ ሃብተኣብ ገብረኣብ ብወገኑ፡ ዕብየት ትምህርቲ ንምርግጋጽ፡ ካብ ወለዲ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ባይቶን ዝተዋጽአ ኮሚቴታት ብምቛም ክስራሕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ብወገን ምምሕዳር ግቡእ ምክትታል ከምዝግበረሉ ገሊጹ።

Categories