ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ 1996 ብዝተኻየደ መጽናዕቲ – 15 ዝነበረ ቊጽሪ ሓራምዝ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ኣስታት 250 ክብ ኢሉ ምህላዉ፡ በዓል-መዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ በዓል-መዚ ሓላፊ ጨንፈር ዕቃበን ልምዓትን እንስሳ ዘገዳም፡ ኣቶ ፍጹም ሓጐስ፡ ካብ ሩባ ሰቲት ክሳብ ሩባ ላዕላይ-ጋሽ ዝዝርጋሕ 44 ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ ክሊ ሓራምዝ ተነጺሩ – ኣብ መሬት ምልክት ተገይሩ ምህላዉ፡ ብሰንኪ ምንጪታት ማይ ምስ ሰብ ዘጋጥም ግጭት ንምፍታሕ ድማ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ – ከባቢ በርቀጠን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎኘ ከባቢ ኩርኩጂን ራህያታት ንምስራሕ መደብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ዝኾነ ኣካል ይኹን ውጽኢት ሓርማዝ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክንቀሳቐስ ክልኩል ምዃኑ ዘነጸረ ኣቶ ፍጹም፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሰክፍ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ግን ይቀላቐል ስለዘሎ፡ ነዚ ሃብቲ ሃገር ዘብርስ ምንቅስቓሳት ንምግታእ፡ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ሕብረተ-ሰብን ዕቱብ ቈላሕታ ሂቦም ክከላኸሉሉን ምቁጽጻሮም ከሐይሉን ጸዊዑ።

ኤርትራ – ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ መበል 20 ኣባል ውድብ ተበግሶ ምክልኻል ሓራምዝ ኣፍሪቃ ከምዝኾነት ዝሓበረ ኣቶ ፍጹም፡ ወግዓዊ ምፍርራም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኪግበር ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ውድብ፡ ነቶም ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃድንን ንግድን፡ ግጭታትን ካልእ ተጻብኦታትን ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ሓራምዝ፡ ብሓባር ንምክልኻልን ቀጻልነቶም ንምውሓስን ዝዓለመ እዩ።

እቲ፡ ብኢትዮጵያ፡ ቦትስዋና፡ ጫድ፡ ጋቦንን ታንዛንያን ኣብ 2014 ዝተመስረተ ውድብ ተበግሶ ምክልኻል ሓራምዝ ኣፍሪቃ፡ ሓራምዝ ንዘለዉወን 37 ሃገራት ኣፍሪቃ ይጥርንፍ።

Categories