ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ገምጋም ትምህርታዊ ንጥፈታት ጨናፍር ትምህርቲ ኣብ ዞባታት፡ ብ19ን 20ን መስከረም ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ።

ወኪል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ብቕዓት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ፡ ካብ’ቶም ዝተጨበጡ ዓወታት፡ ዝያዳ ኣብ’ቶም ድኹማት ጐድንታት ኣተኵሮ ብምግባር፡ መፍትሒ ዝኸውን ሓሳባት ክቐርብ – ንተሳተፍቲ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ ኣዘኻኺሩ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብጨናፍር ትምህርቲ ኣብ ሽድሽቲአን ዞባታት፡ ቤትትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎን ኣብያተትምህርቲ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋን፡ ንጥፈታት ምጅማር ትምህርትን ምዕዳል ናውትን፡ ውጽኢት ተመሃሮ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ሻምናይ ክፍልን ካልኣይ ደረጃን፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ፡ ኩነታት ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መደብ ክረምታዊ ወፍሪ ተመሃሮ፡ መደባት ምጥፋእ መሃይምነት፡ ኩነታት መማህራን፡ ንጥፈታት ባህልን ስፖርትን ካልእን ዝዳህሰሰ ጸብጻባት ቀሪቡ።

ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ኣብ ዝበዝሓ ዞባታት – ኣብ’ቲ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ብተመሃሮን መማህራንን ምድንጓያት ከም እተራእየ፡ ምትዕርራይ ዘድልየን ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታት ካብ ቀንዲ ጸገማት ተሳታፍነት ተመሃሮ ምዃኑ. . . ኣብቲ ጸብጻባት ተነጺሩ።

ንቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን ኣብ ዝምልከት፡ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ግዜኡ ስለዝተዓደለ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ሓጋዚ ምንባሩ፡ ኣብ ማሞስ – ምደባ ሓደስቲ መማህራንን ሱፐርቫይዘራትን ፍታሕ ክርከበሉ፡ ሓደስቲ ህንጻታት ክጻፈፍ ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ቀሪቡ።

Categories