ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብሓፈሻ ምምሕዳር ከባቢ ገደም-ላሕዜን ከኣ ብፍላይ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ተርእዮ ብርሰት ኣግራብ መግትኢ ክግበረሉ፡ ምትሕብባር ኮም ክዓዝዝ፡ ኣብ ሓለዋ ሃብቲ ገረብ ዝነጥፉ ጸዊዖም።

እቶም ኣባላት በዓል-መዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ንኤሪና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ እቲ ከባቢ ብመበቈላዊ ኣግራብ ሃብታም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጸልማት ጉልባብ ጌርካ ንፈሓም ተባሂሉ ዝቚረጽ ጥሉል ኣግራብ እናሳዕረረ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ዕቱብ ቈላሕታ ክወሃቦ ኣዘኻኺሮም።

ናይ ምቁጽጻር ንጥፈታት ኣብ ዘሰላስሉሉ፡ ሰኣን እኹል ዓቕሚሰብን መጐዓዝያን፡ ንፈጸምቲ ናይቲ ገበን ምክትታልን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብን ልዕሊ ዓቕሞም ከምዝኾነ ዝሓበሩ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣመሓደርቲ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ነቲ ተግባር መውረርያ ክገብሩሉን ንገበነኛታት ዘየዳግም መቕጻዕቲ ክብይኑን ተላብዮም።

ብሰንኪ’ቲ ናይ ምቑራጽ ጥሉል ኣግራብ ተርእዮ፡ ኣብ ከባቢታት ደናንሎ፡ ኡምለን ዑመር-ቃብረን ናይ ምጽናት ሓደጋ ዘንጸላለዎም ዓበይቲ ኣግራብ ጽሕድን ኣውሊዕን ንምዕቃብን ንምክንኻንን፡ ነበርቲ ከባቢኦም ክሕልዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ናብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ክኣቱ ዝፈተነ ፈሓም ብምትሕብባር ህዝቢ ከምእተታሕዘን ገበነኛታት መቕጻዕቲ ከምእተበየነሎምን፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ፎሮ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣብ ሓለዋን ምቁጽጻርን ሃብቲ ገረብ ዝነጥፉ ሓሙሽተ ኣባላት በዓል-መዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣለዉ።

Categories