ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣባላቱ ነብሶም ንክኽእሉ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ጸሮና ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ምኽትል ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ፍስሃየ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር፡ ኣባላት ብጉጅለ ተጠርኒፎም ኣፍረይቲ ትካላት ንምኽፋትን ምንጪ ቊጠባዊ እቶቶም ንምውሓስን መበገሲ ዝኾኖም ናይ ልቓሕ ዕድላትን ካልእ ሓገዛትን ክግበር ምጽንሑ ገሊጹ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ንማሕበር ዝገብሩዎ ሓገዛት’ውን ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ስንኩላን ዝምስገን ውጽኢት ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ፍስሃየ፡ ዝበዝሑ ስንኩላን ብዕድመ ዝደፍኡ ብምዃኖም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መነባብሮኦም ንምጥጣሕ መጽናዕቲ ከምእተገብረ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንራብዓይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ንድፊ ቅዋም ተዘትዩ።

Categories