ሎሚ ዓመት ኣብ ዓዳ-ዓዳ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ ብ1.5 ሚልዮን ናቕፋ ብመንደቕ ዝተሃንጻ ክልተ ራህያታት፡ ብዘሎ ህጡር ክራማት እኹል ማይ ብምኽዛነን፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ፡ ሓረስቶት ገሊጾም።

ንሳቶም ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ተዋህሊሉ ዘሎ ናይ ማይ ጸጋ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ማይ ካብ ልምዓት ዝበኵር ዝነበረ መሬት ብዝሰፍሐ ንምልማዕ ተተባቢዖም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብምፍራይ ጠለባቶምን ጠለባት ዕዳጋታትን ንምምላእ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ክኢላ ልምዓት መስኖ ኢንጂነር ሄኖክ ከሰተ ብወገኑ፡ ህንጸት ናይዘን ራህያታትት፡ ኣካል ናይ’ቲ ሓመድን ማይን ዓቂብካ እቶታውነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዝሰላሰል ልምዓታዊ መደባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ድሮ ሓረስቶት ዓዲ-ዓዳ፡ መስኖኣዊ ሕርሻ ተጠቒሞም ከፍርዩ ጀሚሮም ምህላዎም ኣብሪሁ።

ኣብ’ዘን ክልተ ራህያታት ብጠቕላላ 1100 ሜተር ኲብ ማይ ተኸዚኑ ከምዘሎን ኣብ ከባቢአን ዝርከባ ዒላታት ከምዝመልኣን ሩባታት ክዛሪ ጀሚሩ ምህላዉን ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዓቢ ናይ ልምዓት ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ፡ ኢንጂነር ሄኖክ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት ብወገኑ፡ መንግስቲ ብልዑል ወጻኢ ዝሃነጾን ዝሃንጾ ዘሎን ልምዓታዊ ትሕተቅርጺ፡ ውጽኢቱ ብግብሪ ይርአ ምህላዉ ብምሕባር፡ ሓረስቶት ዓዲዓዳ ነዚ ተፈጢሩሎም ዘሎ ዕድላት ተጠቒሞም ፍርያቶም ብምዕባይ ቀረብ ኣሕምልቲ ንምስሳን ክጽዕሩ ኣተሓሳሲቡ።

Categories