ኣብ ሓመልማሎ፡ ሕርሻዊ እቶትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምምዕባል ኣብ ዝሕግዝ መዳያትን ተራ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላትን ዘነጽር ዘተ፡ ብ14 መስከረም ተኻዪዱ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ኩነታት ሕርሻን ክግበር ዘለዎ ቅድመ-ምድላዋትን ጥንቃቐታትን፡ ከምኡ’ውን ኩነታት እቶትን ንምድንፍዑ ክካየድ ዘለዎ ጻዕሪን ኣተኲሮም ኣብ ዝተመያየጡሉ፡ ሓረስቶት ንሰናይ ክራማት ሎም-ዘበን ናብ ረብሓኦም ብምውዓል ርቡሕ ምህርቲ ክሓፍሱ ትግሃቶም ከዛይዱ ኣዘኻኺሮም።

ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዘየልምዑ ሓረስቶት ክህልዉ ስለዝኽእሉ፡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳርን ንምልላዮም ጽጹይ መጽናዕቲ ከካይዱ፡ ዘጋጥም ሕጽረታት ንምእላይ ድማ ብውህደት ክስራሕ ኣተሓሳሲቦም።

እቶትን እቶታውነትን ምስ ምጥርናፍ ዓድታት ስለዝተኣሳሰር፡ ፋሕ ኢለን ዘለዋ ዓድታት ኣብ ዝተመርጸ ቦታ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክዋደደለን፡ ንጹርን ናይ መጻኢ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ግምት ዘእተወ ርእሰ-ውጥን ድማ ክሕንጸጸለን ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝርአ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ዋሕዲ ዝስተ ጽሩይ ማይ ድማ ብፍላይ ንምፍታሕ ምምሕዳር ዞባ ብዕቱብ ሒዙዎ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ምስ ምጅማር ሓድሽ ዓመተ-ትምህርቲ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምዕዋት ስሉሳዊ ርክብ ክድልድል ኣዘኻኺሩ።

Categories