ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያታት ዘተኰረ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

ኣባላት ኮሚተ ልምዓት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ጽርግያታት – ካብ ምምሕዳር ከባቢ ሓምበክታ ክሳብ ርከብ 161 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ዴባስታ ክሳብ ርከብ 110 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ጣሕራ ክሳብ ርከብ ድማ 63 ኪሎ-ሜተር እዩ።

ዛጊት ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይ’ቲ መደብ ከም እተዛዘመ ዝሓበሩ እቶም ኣባላት ኮሚተ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ፡ ኣባላት ሓይልታት ምኽልኻል ንዝገብሩዎ ዘለዉ ደገፍ ሞጒሶም።

ልዕሊ 24 ሽሕ ነበርቲ ዘለውዋን ሓንቲ ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ዝኾነትን ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ንሸነኽ ሰሜን 270 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories