ህዝቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ብ2 መስከረም ኣብ ንኡስ ዞባኡ ብዛዕባ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓትን ተራ ኮም ኣብ ኣድማዕነቱን ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ፈቐያ-ጨቐምጠ፡ ዓዲ-መኼዳ፡ ዓዲ-ሸረታይን ማይ-ናህዩግን ዝተኻየደ ርክባት፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ኣቐዲምካ ምድላው ክሳብ መወዳእታ ድማ ምክትታል – ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ንርቡሕ እቶት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ ሓረስቶት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ዘራእቶም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ፡ ካብ ግራውቶም ከይተፈለዩ ክከታተሉ ተላብዩ።

ኣሰካፊ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ብርሰት ኣግራብ፡ ብምትሕብባር ህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን መግትኢ ክግበረሉ ይስራሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዓንደመስቀል፡ ህዝቢ ከባቢኡ ክሕሉ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝተዋደደ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቀጻልነቱ ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ክወስድ፡ ከምኡ’ውን ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕዛዝ ኣበርክቶ ኩሎም ኣካላት ክዓቢ ኣዘኻኺሩ።

ነበርቲ ብግደኦም፡ ብዘይ ሕጊ ኣባይቲ ዝሃንጹ ውልቀ-ሰባት ኣራሚ ስጉምቲ ክወሰደሎም፡ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ብዕቱብ ክስራሕ፡ ጸገማት መጐዓዝያ ኣቓልቦ ክግበረሉ ተማሕጺኖም።

Categories