ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣባላቱ ነብሶም ክኽእሉ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪታት ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣፍዓበትን ናቕፋን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባታት ሓቢሩ።

ማሕበር ካብ ዝምስረት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ዝርከቡ ኣባላት ብጉጅለታት ብምጥርናፍ፡ ኣፍረይቲ ትካላት ንምምስራት ዝውዕል መበገሲ ልቓሕን ካልእ ሓገዛትን ክገብር ከምዝጸንሐ፡ በዚ መሰረት ድማ ብዙሓት ካብኣቶም ነብሶም ኣብ ዝኽእሉሉ ደረጃ ከምዝበጽሑ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ውዳበን ሓበሬታን ኣቶ ኣብርሃም ክፍለጼን ገሊጹ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተሓባበርቲ ማሕበር ክገብሩዎ ዝጸንሑ ሓገዛት፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ስንኩላን ዝምስገን ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ጠቒሱ ድማ፡ ብዝሰፍሐ ክቕጽሉዎ ተላብዩ።

ኣቶ ኣብርሃም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝበዝሑ ስንኩላን ብዕድመ ደፊኦም ምህላዎም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መነባብሮኦም ንምምጥጣሕ መጽናዕቲ ተገይሩ – ማሕበር ብዓቕሙ ዘድሊ ሓገዛት ክገብር ከምዝጀመረ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ምሕብሓብ ስንኩላን ሓላፍነት መላእ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፡ ክግበር ዝጸንሐ ምትሕብባር ክቕጽል ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት፡ ኣብ ራብዓይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሳተፉ ኣባላት መሪጾም።

Categories