ኣብ እምባትካላ ተደኲኑ ዝርከብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ፡ ካብ 22 ክሳብ 31 ነሓሰ ንኣዘዝቲ መደበራት ፖሊስ ስልጠና ሂቡ።

እቲ ስልጠና፡ ንምምሕዳርን መሪሕነትን፡ ምምዕባል ባህሊ ሓባራዊ ስራሕ፡ ሃናጺ ምትእርራም ኣብ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ትካላዊ ኣሰራርሓ ምዕባይን ፈጠራዊ ስራሕ ምትብባዕን ዘጠቓልል ምንባሩ፡ ኣወሃሃዲ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ዮናስ ገብረሂወት ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስልጠና ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ስልጠና ኣብ ውህሉል ተመኵሮ ተሳተፍቲ ዝተመርኰሰ ብቕዓት ትካላት ንምርግጋጽ ምንባሩ ዝሓበረ ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያም ድማ፡ እዚ ዝረጋገጽ፡ ዝተቐስመ ትምህርቲ ኣብ ባይታ ክትግበር ከሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ብወገኑ፡ ስራሕ ኣብ ምቁጽጻር፡ ምምራሕን ምምእዛንን ንዘለዎም ተመኵሮ ምስ ዝወሰዱዎ ስልጠና ኣወሃሂዶም ብግብሪ ክሰርሑሉ፡ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ድማ ናብ መሳርሕቶም ከሰጋግሩ ብምልባው፡ ንማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ኣመስጊኑ።

ወኪል ሰልጠንቲ ብወገና፡ እቲ ትምህርቲ ኣሳታፊ ብምንባሩ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ስራሖም ሓጋዚ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ መወዳእታ ሰልጠንቲ፡ ካብ ኢድ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያምን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ሓጂ ያሕያን ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

Categories