ኤርትራ፡ ኣብ ኒው-ደልሂ – ህንዲ ኣብ ዝእንገድ ዘሎ፡ መበል 14 ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምምካት ምድረ-በዳነት ትሳተፍ ኣላ።

ሰኑይ 2 መስከረም ዝተኸፍተን ክሳብ 13 መስከረም ዝቕጽልን ዋዕላ፡ ካብ 190 ሃገራትን ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላትን ዝተወከሉ ኣስታት 6 ሽሕ ሰባት ይሳተፉዎ ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ዋዕላ፡ ኤርትራ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ህንዲ ኣቶ ኣለም ጸሃየ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስቴንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም ዝተመርሐ ልኡኽ ተወኪላ ኣላ።

ኤርትራ ኣብ’ዚ ዋዕላ፡ ብውህደት ህዝብን መንግስትን ንእተካይዶ ዘላ ንምብዳህ ፍግረ-መሬትን ምህብታም ትሕዝቶ ሓመድን ዝዓለመ ንጥፈታት ዘንጸባርቕ፡ ብድምጽን ስእልን ከምኡ’ውን ፖስተራት ዝተሰነየ መግለጺታት ተቕርብ ኣላ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኤርትራዊ ስነ-ጥበበኛ መምህር ሃብተወልድ ምስግና፡ “ስነ ጥበብ ንሓምላይ ኣከባቢ” ብዝብል ኣርእስቲ ንምምካት ምድረ-በዳነት፡ ከምኡ’ውን ምግራብን ረብሓታቱን ዝገልጽ፡ 35 ኣነቓቓሒ ቅብኣታት ንምርኢት ኣዳልዩ ኣሎ።

ኣብ 1994 ዓ.ም፡ ዝተመስረተ ‘ተበግሶ ምምካት ምድረ-በዳነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’፡ ምስ ኣከባቢን ልምዓትን ዝተኣሳሰር ኣህጉራዊ ውዕል ኮይኑ፡ ንዘላቕነት ምሕደራ መሬትን ምምካት ምድረበዳነትን ዝሰርሕ’ዩ።

Categories