ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ብ13 ነሓሰ፡ ንወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም፡ ኣብ ኣገዳስነት ምርግጋጽ ጽፉፍ ኣገልግሎት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

እቲ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፡ መምርሒ ሕግታት ቱሪዝምን ዋጋታትን ዘተኰረ ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ቱሪዝም ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ተስፋይ ግርማይ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ንጥፈታተን ዝያዳ ከጽፍፋን ፍሕሹው እንግዶት ከዘውትራን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መደበር ፖሊስ ዓዲ-ቐይሕ ሓላፊ ምክልኻል ገበን፡ ኣቶ ተስፋኣለም ይርጋኣለም ብወገኑ፡ ትካላት ብሕጊ ተማእዚዘን ክነጥፋን ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ክኽተላን ከምዝግባእ ኣጠንቂቑ።

ተሳተፍቲ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ኣስተምህሮ ብምጥቃስ፡ ሕግን ዕግበት ተገልገልቲን ንምቕዳም ከምዝጽዕሩ ኣረጋጊጾም።

Categories