ሎሚ ዓመት ብዘሎ ጽቡቕ ዝርጋሐ ዘለዎ ትስፉው ክራማት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዝተዘርአ ኣእካል፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ሓረስቶት ሓቢሮም።

እቶም ሓረስቶት ነዚ ዝገለጹ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ብሓለፍቲ ሕርሻን ቁጠባዊ ልምዓትን፡ ከምኡ እውን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ሞያውያን ተሰንዩ፡ ኩነታት ዘራእቲ ንምፍላጥ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ እዩ።

እቲ ኣቐዲሞም ዘካየዱዎ – ስራሓት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ከምኡ’ውን ምድኳዕን ምምድማድን ዘጠቓለለ ቅድመምድላዋት፡ ምስ’ቲ ኣብ ወርሓት ግንቦትን ሰነን ብሰፊሑ ዝወቕዐ ዝናብ ኣዝመራ ተደሚሩ፡ ኣብ ግዜኡ ክዘርኡ ከምዝኸኣሉ፡ ድሮ ድማ ኣብ ምጽሃይ ከምዝበጽሑ ብምሕባር፡ ጽቡቕ እቶት ክረኽቡ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ 10 ሽሕ ሄክታር ዝተዘርአ ኣእካል፡ ከምኡ’ውን ብጥሙርን ብውልቀ-ሓረስቶትን ኣብ 400 ሄክታር ዝተዘርአ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ዝሓበረ ቤትጽሕፈት ሕርሻ ብወገኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እውን – ኣብ 4 ሽሕ ሄክታር ጥረታት ይዝራእ ከምዘሎ ገሊጹ። ንዝኾነ ክኽሰት ዝኽእል ተርእዮ ባልዓት፡ እኹል መድሃኒት ተዳልዩ ከምዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ሓረስቶት ዓመት ምሉእ ንዘካየዱዎ ጻዕሪ ድሕሪ ምምጓስ፡ ሕጂ እውን ኣእካሎም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ፡ ምክትታሎምን ጻዕሮምን ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories