ኣብ ሳዋ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ብደረጃ ሃገር ዝትግበር ወፍሪ ክታበት ‘ኣንቅጺ’፡ ንኣዘዝቲ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

እቲ ብ19 ነሓሰ ብሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ዕላማታት ሃገራዊ መደብ ክታበት፡ ወፍሪ ክታበት ኣንቅጺን ኣገዳስነቱን፡ ምትእትታው ናይ ማህጸን ካንሰር ዝከላኸል ክታበት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰረ እዩ።

ኣንቅጺ፡ ኣብ ደቂ-ሰብ ጥራይ ዝርአ ሕማም ኮይኑ፡ ንፈሳሲን ረቂቕ ሽፋንን ሓንጎልን ዓንዲ-ሕቘን ብምጥቃዕ፡ ነባሪ ስንክልናን ሞትን ዘስዕብ ሓደገኛ ተላባዒ ሕማም ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ቴድሮስ፡ ንትግባረ’ቲ ወፍሪ ናይ ኩሎም ኣካላት መንግስትን መሻርኽትን ተሳትፎ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ድልውነት ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኣድማዕነት እቲ ወፍሪ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ነዚ ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ብቐጻሊ ዝኽሰት ሕማም ንምቊጽጻር፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣስታት 3 ሚልዮን ካብ 1 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ናይ ምኽታብ ውጥን ኣውጺኡ ከምዘሎ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

Categories