ኣብ ፈስቲቫል-2019 ንምርኢት ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ያታዊ ድኰና ኣባይቲን መነባብሮን፡ “ልምድን ወግዒን ኣነባብራ ብሄራትና፡ ኣብ ሓደ ቅርዓትን ኣብ ሓጺር ግዜን ክንፈልጥ ሓጊዙና” ክብሉ ነጋድያን ገሊጾም።

እቶም ኤሪና ዝተወከሰቶም ነጋድያን፡ እቲ ምርኢት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምውርራስ ባህልን ክብርታትን ዘለዎ ኣስተዋጽኦ፡ ንመንእሰያት ብሓፈሻ ንሓደስቲ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ትምህርትን ታሪኽን ዘስንቕ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም።

ቅንያት ፈስቲቫል፡ ብዙሕነት ዝሰረቱ ባህልናን ኣብኡ ዘሎ ስኒትን ጽባቐን፡ ከምኡ’ውን ስሙር ጻዕርናን ሓባራዊ ራእይናን እነጉልሓሉ መድረኽ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ መስርሕ ኩሉመዳያዊ ህንጸት ሃገር ዕዙዝ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣወሃሃድቲ መደባት ድማ፡ ብሕልፊ ነቲ – ጥንታውን ባህላውን ኣነባብራን ኣመሓዳድራን፡ ከምኡ’ውን ምስሊን ውህደትን ብሄራትና ብጋህዲ ዘርኢ መድዩ፡ ነጋድያን ብተገዳስነት ክዕዘብዎን ነኣሽቱ ደቆም ከምዝበጽሕዎ ክገብሩን ኣዘኻኺሮም።

ምርኢት ያታዊ ድኰና ኣባይቲን መነባብሮን፡ ናውቲ ኣባይቲ፡ ኣልባሳት፡ ወግዒታት፡ ያታዊ ናውቲ ማእቶት፡ ስርዓትን ትሕዝቶን ቤትን ደምበን ካልእን ዝሓቘፈ እዩ።

“ባህሊ ጽንዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቴማ ብ16 ነሓሰ ዝተኸፍተ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ክሳብ 22 ነሓሰ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክቕጽል እዩ።

Categories