ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዳግመ-ውደባ ንዝተመርጹ ሓደስቲ ኣካየድቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታት – ፋብሪካ ቸሜንቶ፡ ትካል ውጽኢት ፕላስቲክ፡ መፍረ ጨው፡ ሆቴላት ዳህላክን ጉርጉሱምን፡ ኣብ ኣዋጅ ሕጊ ዕዮ ኤርትራ፡ ኣመራርሓን ኣተሓሕዛን ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ግቡኣትን መሰላትን ዘተኰረ ስልጠና ወዲቡ።
ኣብ መዛዘሚ’ቲ ብ13ን 14ን ነሓሰ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ሓላፊ’ቲ ኮንፈደረሽን ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ሃይለ ጴጥሮስ፡ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ንኸፍርዩ ቀጻሊ ስልጠናታት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።
ሕቶ ሰራሕተኛታት፡ ሓደ ካብ ቀዳምነታት ተሰሪዑ ክስራሓሉ ምጽንሑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ኣድልዎ ክፍሊት ከይህሉ፡ ካብቲ ዕቱብ ምክትታል ዝግበረሉ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ልዕሊ 1400 ሰራሕተኛታት ዝጥርንፋ 18 ማሕበራት ሰራሕተኛታት ከምዘለዋ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።