ኣብ ሓጋዝን ከባቢኣን፡ ካብ 8 ክሳብ 12 ነሓሰ ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ኣባይቲ፡ ቤት-ትምህርትን ጥሪትን ጉድኣት ኣውሪዱ።
በቲ፡ ለይትን መዓልትን ብዘይምቁራጽ ዝሃረመ ዝናብ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሓጋዝ ዓሰርተታት ኣባይቲ ክዓኑ እንከሎ፡ ዚንጎታት ናይ 4 ክፍልታት መንበሪ መማህራን ከም እተቐንጠጠ፡ 4 ሰባት ከቢድን ፈኲስን ማህሰይቲ ከምዝወረዶም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ግላስ 70 ኣጓዱ ዓንዩ፡ ኣብ ምምሕዳር ዓድ-ፋካይ ድማ 12 ኣግማል ብውሕጅ ተወሲደን።