ንዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ዘራኽብ – ካብ ጻዕዳ-ክርስትያን ናብ ዓዲ-ንኣምን ዝወስድ ናይ ሓመድ ጽርግያ ናይ ምጽጋንን ምስፋሕን ዕማም፡ ከምኡ’ውን ክፋል ቅናታዊ ጽርግያ ኣስመራ ዝኾነ፡ ካብ ቤትገርጊስ ናብ እምባደርሆ ዝሕወስ መስመር ብቕጥራን ናይ ምልባጥ ስራሓት ይሰላሰል ኣሎ።

በዚ ብውህደት ፕሮጀክት ዓዲ-ሃሎ፡ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻልን ኩባንያ ህንጻ ኣስቤኮን ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ካብ ጻዕዳ-ክርስትያን ናብ ዓዲንኣምን ዝኣቱ 30 ኪሎ-ሜተር፡ እቲ ካብ ቤት-ገርጊስ ብበለዛ ኣቢሉ ናብ መስመር ኣስመራ – ከረን ዝጽንበር ድማ፡ 12.2 ኪሎ ሜተር የጠቓልል።

ኣወሃሃዲ ናይ ክልቲኡ ፕሮጀክትታት ኮሎኔል ብርሃነ ኤልያስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ ዓዲ-ንኣምን ዝኣቱ መስመር፡ ነተን ሰንጢቑወን ዝሓልፍ ዓድታት – ዓዲ-ቘንጺ፡ ዓዲያቆብ፡ ሃዘጋ፡ ዓዲ-ቢደልን ጎዳጒዲን፡ ከምኡ’ውን ተጸጊዑወን ንዝሓልፍ ብርክት ዝበላ ዓድታትን ቊሸታትን ንኡሳን ዞባታት በሪኽን ሎጎ-ዓንሰባን ኣገልግሎት ብምሃብ፡ ኣብ ማሕበረቊጠባዊ ህይወትን መደባት ህንጸትን ልምዓትን መስተርሆ ከምዝፈጥር ኣረዲኡ።

ኣብ መስመር ቤት-ገርጊስ – እምባደርሆ ንዝካየድ ዘሎ ስራሓት ምልባጥ ቅጥራን ብዝምልከት፡ ኮሎኔል ብርሃነ፡ እቲ ንዓዲ-ንፋስን በለዛን ሰንጢቑ ዝሓልፍ ክፋል ቅናታዊ ጽርግያ ከተማ ኣስመራ ዝኾነ ኣገዳሲ መስመር፡ ብፍላይ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማካይን ናብ ማእከል ከተማ ኣስመራ እናኣተዋ ክፈጥራኦ ዝጸንሓ ምጭንናቕ፡ ዝሓሸ ኣማራጺታት ብምፍጣር ፍታሕ ንምምጻእ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ተክኒክ ፕሮጀክት ዓዲሃሎ ቊጽሪ-ክልተ፡ ኣቶ ብርሃነ ሃይለን ኣወሃሃዲ ዓቕሚ-ሰብ ተለንተ ሃብቶም ግርማይን ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መስመር ጻዕዳ-ክርስትያን ዓዲንኣምን ዝካየድ ዘሎ ስራሓት፡ እቲ ዕማም ብቐንዱ ብውህደት ምኵራት ሞያውያንን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ይሰላሰል ምህላዉ ብምሕባር፡ ግፍሑ ካብ 4 ሜትሮ ዘይሓልፍ ዝነበረ መስመር፡ ናብ 20 ሜትሮ ይሰፍሕን ይደላደልን ከምዘሎ ገሊጾም።

ሓላፊ ኦፐሬሽን ኩባንያ ህንጻ ኣስቤኮ መሃንድስ ስዩም ተኽለ ብወገኑ፡ ኩባንያኦም ነቲ ብሓያል ጻዕሪ ዝሰፍሐን ዝተመድመደን መስመር ቤት-ገርጊስ – እምባደርሆ፡ ንዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ብዘገልግል ደረጃ ብቕጥራን ኣብ ምልባጥ ይነጥፍ ከምዘሎ፡ ድሮ’ውን ኣስታት ፍርቂ ኪሎ-ሜተር ከምዝዓመመ ገሊጹ።

Categories