ልግሲ ደም ብሓፈሻ – ወለንታዊ ልግሲ ደም ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ከም ባህሊ ክሰርጽ ዝግብኦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ፡ ሰራሕተኛታት ሰለስተ ትካላት ኣዘኻኺሮም።

እቶም ብወለንታኦም ደም ዝለገሱ ሰራሕተኛታት ኮርፖረሽን ኤሪ-ቴል፡ ኩባንያ ሓፈሻዊ ህንጸት ብድሆን መሰልጠኒ ማእከል ፖሊ-ቴክን፡ ልግሲ ደም ቀንዲ ዕላማኡ – ዘይትትካእ ህይወት ንምድሓን ስለዝኾነ፡ እቲ ዝወሰዱዎ ተበግሶ ናይ ሕልና ዕግበት ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።

መዲካል ዳይረክተር ሃገራዊ ባንክ ደም ዶክተር ዮውሃንስ ተኸስተ፡ ሃገራዊ ባንክ ደም፡ ዓመት መጸ ምስ ሃገራዊ ማሕበር ወለንታዊ ለገስቲ ደም ብምውህሃድ፡ ጠለባት ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ንምምላእ ክሳብ 12 ሽሕ ከረጺት ደም ንምእካብ መደብ ኣውጺኡ ከምዝንቀሳቐስ ብምሕባር፡ ነዚ ንምስማር፡ ኩሎም ኣካላት ብዕቱብ ክነጥፉ ተማሕጺኑ።

ሃገራዊ ባንክ ደም ከምዝሓበሮ፡ ኣባላት ኤሪቴል 33 ከረጺት፡ ኩባንያ ሓፈሻዊ ህንጸት ብድሆ 30 ከረጺት፡ ኣባላት መሰልጠኒ ማእከል ፖሊ-ቴክ ድማ 65 ከረጺት፡ ብድምር 128 ከረጺት ደም ለጊሶም ኣለዉ።

Categories