ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ውሸባ ብቚልን እንስሳታትን ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገር ክኣቱ ዝፈተነ ልዕሊ 2 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት በብዓይነቱ ፍርያት ሕርሻን መድሃኒትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ።

እቲ ዝተታሕዘ ንብረት፡ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ እንቋቚሖ፡ ስጋ ደርሆ፡ ጸረ ባልዕ መድሃኒት፡ ድዅዒ፡ መድሃኒት እንስሳን መግቢ እንስሳን ከምዘጠቓልል፡ ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ዘርእሰናይ ጸጋይ ሓቢሩ። ብክኢላታት ግቡእ መርመራ ምስ ተኻየደሉ፡ ገለ ከም እተወገነ ገለ ከምእተቓጸለ ድማ ኣረዲኡ።

እቲ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ፡ ብልዑል ተሳትፎ መሻርኽቲ፡ ክፍሊ ጉምሩክ፡ ፖሊስ ፋይናንስ፡ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምክትታል ዶባትን ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ተሰነይን ከምእተኻየደ፡ ኣቶ ዘርእሰናይ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ዘይሕጋዊ ፍርያት ሕርሻ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዘውርዶ ጥዕናውን ማሕበረ-ቁጠባውን ሳዕቤናት ከቢድ ብምዃኑ፡ ነጋዶ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ንግዲ ክቑጠቡ፡ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ውሸባ ብቚልን እንስሳታትን ንኡስ ዞባ ተሰነይ ጸዊዑ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምስ ምቕልቃል ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ፡ ኣብ 2005 እታው ጨቓዊትን እንቋቚሖን ብኣዋጅ ደው ከምዘበለ፡ እንተኾነ – እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምእታው ይቕጽል ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ቤት-ጽሕፈት፡ ተገልገልቲ ምንጩ ዘይተረጋገጸ ፍርያት ሕርሻ ብሓፈሻ፡ እንቋቚሖን ስጋ ደርሆን ድማ ብፍላይ ካብ ምዕዳግ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

Categories