ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ፡ ንኣተኣኻኽባን ኣከፋፍላን ውንዙፍ ዕዳ ዓማዊል ብዝምልከት – ሓድሽ ኣሰራርሓ ኣተኣታትዩ።

ኣብቲ ኮርፖረሽን ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር ንግዲ – ኢንጅነር ኣነንያ ተስፋማርያም ንኤሪና ከምዝሓበሮ፡ እዚ ካብ ወርሒ ጥሪ 2019 ብዘሎ ውህሉል ዕዳ ዝጅምር ኣሰራርሓ’ዚ፡ ዓሚል ባዕሉ ቈጻሪቱ ኣንቢቡ ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ሕሳቡ ዝኸፍለሉ ሓድሽ ኣገባብ እዩ።

ኣብ ዝሓለፋ 7 ኣዋርሕ ዘሎ ውህሉል ዕዳ፡ ዓሚል ዓቕሚ እንተለዎ ብጥቕሉል ክኸፍሎ ከምዝኽእል፡ እንተዘይኮይኑ – ምስ’ቲ ወርሓዊ ክፍሊት ዝድመር ኣከፋፍላ ተገይሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ንድሕሪት ብዛዕባ ዘሎ ውንዙፍ ዕዳ ድማ፡ እቲ ኮርፖረሽን ግቡእ ምጽራይ ምስ ገበረ፡ ንዓማዊሉ ሓበሬታ ክህብ ምዃኑ ኢንጅነር ኣነንያ ገሊጹ።

እዚ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ነቲ እናተዋህለለ ልዕሊ ዓቕሚ ተገልጋሊ ክሓኩር ዝጸንሐን ዘሎን ዕዳን ኣተሓሕዛኡን፡ መጠናዊ መልሲ ዝህብ ምዃኑ ዘዘራረብናዮም ሰባት ይሰማምዑ።

እዚ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብማእከላይ ቦታ ተጀሚሩ ዘሎ ኣሰራርሓ፡ ምስ ግዜ ናብ ካልኦት ጨናፍርን ዞባታትን ክሰፍሕ ምዃኑን፡ ዓሚል ሕቶ ምስዝህልዎ – ሓበሬታ ዝህቡ ሰራሕተኛታት ተዳልዮም ምህላዎምን ተፈሊጡ።

እቲ ኮርፖረሽን፡ ክሳብ ሕጂ ቈጻሪት ዘንብቡን ሕሳብ ሃልኪ ኤለክትሪሲቲ ዝእክቡን ሰራሕተኛታት እናኣዋፈረ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

Categories