ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ “መንእሰይ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይዕጠቕ” ብዝብል መሪሕ ቴማ ብ10 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፡ ናይ ቀዳማይ መንፈቕ ንጥፈታቱ ብምግምጋም፡ ኣብ ትግባረ ውጥን ስራሕ ካልኣይ መንፈቕ ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ማእከላይ ቤትጽሕፈትን ዞባታትን ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት፡ ኣብ ምምልማልን ምሕያልን ውዳበታት ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ፊተውራሪ፡ ሕመረትን ካድራትን ክካየድ ዝጸንሐ ስሩዕ ስልጠናታት፡ ኣብ ምዕጣቕ ማእከላት መንእሰያት ክሰላሰል ዝጸንሐ ስራሓት፡ ብሞያ ንዝሰልጠኑ መንእሰያት ዝተኸፍተ ናይ ንኡስ ልቓሕ መደባት፡ ኣብ ምሕያል ውዳበ መንእሰያት ስራሕተኛታት ዝተዓመ ንጥፈታት ተገምጊሙ።

ብዘይካ’ዚ፡ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ልምዓትን ማእቶትን ንምድንፋዕ ዝተኻየደ መነቓቕሒ መደባት፡ ኣብ ዜናውን ጐስጓሳውን ንጥፈታት ዝተዓመ ስራሓት፡ ዝምድናታት ማሕበር ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ ንምዕባይ ዝተሰላሰለ ዕማማት፡ ብዕምቈት ድሕሪ ምርኣይ፡ ዝሓየለ ውሁድ ስራሕ መሻርኽቲ ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ብምንባሩ፡ ኣድማዒ ስራሓት ከምእተዓመ ገምጊሙ።

ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ፡ ንቕሓትን ተሳታፍነትን መንእሰያት ንምዕዛዝ ክሰላሰሉ ዝጸንሑ መደባት ብዝሓየለ ክቕጽሉ፡ ፈስቲቫል ኮለጃት ብዝዓዘዘ ውዳበ ክካየድ፡ ሞያዊ ስልጠናታት ዝቐሰሙ መንእሰያት ናብ ዕዮ ዝሰጋገሩሉ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ዝብሉን ካልኦትን ኣተኵሮ ክወሃቦም ድማ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ መንእሰያት – ኣብ ዓበይቲ ሃገራውያን በዓላት ዝነበሮም ተራን ተሳታፍነትን፡ ብሉጽ ክብርታት ኣብ ምስግጋር ዘለዎም ብቕዓት ዝመስከረን፡ ናብ ዝቕጽል ምዕራፍ ብዝያዳ ኣፍራይነት ክስጐም ከምዝከኣል ዘጉልሐን ከምዝኾነ ገሊጹ።

Categories