ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ሳንሆዜ – ግዝኣት ካሊፎርንያ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብ9 ነሓሰ ብላዕለወይቲ ልእኽቲ መንግስቲ ኤርትራ – ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ዝተኸፍተ ዓመታዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን፡ ከምኡ እውን መሓዙት ኤርትራን ኤርትራውያንን ተሳቲፎም።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ ሰሚናር ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ሞያዊ ኣስተምህሮታት፡ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባትን ካልእ ትሕዝቶን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኤ ር ት ራ ዊ ት – ኣ መ ሪ ካ ዊ ት ኮሜድያን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ኣሓት ‘ኤሪ-ኣም-ሲስተርስ’፡ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን፡ ነቲ ፈስቲቫል ድምቀት ወሲኾምሉ ከምዝቐነዩ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

Categories