ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ናይ 1440 ሂጂርያ፡ ብ11 ነሓሰ ብክብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ።

ኣብ ኣስመራ – ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት፡ ሰላት ዒድ ተኻዪዱ።

ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስመዕዎ ኹጥባ፡ ዒድ ንበይንኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ቤተ-ሰብካን ጐረባብትኻን እትሕጐሰሉ፡ ካብ’ቲ ዘላካ ብምክፋል ድማ ንልብታት ስኡናትን ጽጉማትን ብሓጐስ እትመልኣሉ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኹሎም ምእመናን ርሑስ ዒድ ተመንዮም።

ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ንመርዓ ትሕተ-ዕድመ ደቂ-ኣንስትዮን ሳዕቤናቱን ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፡ መርዓ ትሕተ-ዕድመ ንፊስቱላን ከቢድ ስነኣእምሮኣዊ ስንብራቱን ዘቃልዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ወለዲ ዓቕመ-ሄዋን ዘይበጽሓ ደቆም ካብ ምምርዓው ክቑጠቡ፡ ነቲ ብሰንኪ ፊስቱላ ዝስዕብን ንኽሓዊ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ጥዕናዊ ሃስያ ንምፍላጥ፡ ኣብ መንደፈራ ንዝርከብ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ምብጻሕ እኹል ምዃኑ ኣገንዚቦም። ነተን ግዳያት ብሞራልን ንዋትን ምትብባዕ ዜግነታዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ዜጋታት ብፍቕሪን ስኒትን ክመላለሱ፡ ንዝሓመሙ ክበጽሑ፡ ንዘኽታማት ብሓፈሻ ንደቂ ስዉኣት ድማ ብፍላይ ከጸናንዑን ክሕግዙን ብምዝኽኻር፡ ንመላእ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ከምኡ’ውን ምዑታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ርሑስ ዒድ ተመንዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብምኽንያት ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብ ሳዋ ባህላዊ መደብ ቀሪቡ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ሳዋ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ – ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራታ፡ መመረቕታ መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን መመረቕታ 10ይ ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ከምዘአንገደት ብምዝካር፡ ከም መቐጸልታ ናይዚ ድርብ ጽምብላት ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ሳዋ ምክያዱ፡ ነቲ ማእከል ስልጠና ሓበን ምዃኑ ገሊጹ።

ሃይማኖታዊ በዓላትና መግለጺ ሓድነትናን ስኒትናን ምዃኖም ዝጠቐሰ ኮሎኔል ደበሳይ፡ “ሓደ ካብ ክቡራት በዓላትና፡ ኣብ’ታ ሓድነትን ስኒትን ብዝለዓለ መልክዑ ዝውረሰላ ሳዋ ክካየድ ምብቅዑ፡ ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ” ክብል ኣገንዚቡ።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ዋልታ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

Categories