ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ብሓፈሻኡ ኣግራብ ብፍላይ ድማ ጥንታዊ ኣግራብ ንምዕቃብ ዝካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት፡ ተራን ኣበርክቶን ሕብረ-ተሰብ ክዓዝዝ ተሓቲቱ።

ሓላፊ ምቁጽጻር ሃብቲ ገረብን እንሳሳ ዘገዳምን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ተኽላይ ፍስሃየ፡ ኣብ ከባቢ ዓድንሱር ከምኡ’ውን ናብ ኣወንጀሊ ኣብ ዝወስድ መስመር፡ ጸልማት ጉልባብ ብምግባር ንዝበረሰ ኣስታት 20 ኩንታል ጥሉል ኣግራብ ብምጥቃስ፡ ኣመሓደርቲ ከባብን ነበርትን፡ ከባቢኦም ካብ ብርሰት ክከላኸሉን ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቡን ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብውሕጅን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓሽሻይ 150፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ ዑመር 200፡ ኣብ ከባቢ ሸበቕ ድማ 60 ዓበይቲ ኣግራብ ከምዝወደቑ ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ብብዝሒ ብርሰት ዝረኣየለን ከባቢታት፡ ዓድ ኣረይ፡ ሸበቕ፡ ዓድ ዑመር፡ ዓድ ንሱር፡ ኣወንጀሊን ዓድፋካይን ምዃነን ኣቶ ተኽላይ ኣገንዚቡ።

Categories