ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ልዕሊ 8 ሽሕ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ 9 ንኡሳን ዞባታት፡ ዕዉት ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ስራሓት ከምዝዓመሙ ተሓቢሩ።

ሓላፊ በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ከሰተ ተስፋጽዮን፡ ኣብ ከረን፡ ሓልሓል፡ ዒላበርዕድን ዓዲተከሌዛንን ዝርከባ መደበራት ፈልሲ፡ ኣብቲ መደብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበራ ሓቢሩ።

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ ኣብያተ-እምነትን ትካላት መንግስትን ኣግራብ ናይ ምትካል ንጥፈታት ክድንፍዕ ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories