ብጨንፈር ኣገልግሎት ዞባዊ ምቊጽጻር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተወደበ፡ ኣብ ምቊጽጻር ኣዝርእቲ ዘተኰረ ዓውደዘተ፡ ብ8 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ኣዳራሽ ሆቴል እምባሶይራ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ማእከል፡ ኣብ ምብዛሕ ኣዝርእቲ ዝነጥፉ ክኢላታት፡ ወከልቲ ዕዳጋን ልቓሕን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተረኽቡሉ ዓውደ-ዘተ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ምቊጽጻር ኣዝርእቲ ናይ ሓባር ስራሕ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዝምልከቶ ኣካል ሓላፍነቱ ከልዕል ተላብዩ።

ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣፍልጦ ክኢላታት ሕርሻን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ መምርሒ ስራሕ ምብዛሕ ኣዝርእቲ ንምዕባይ’ዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ላቦራቶሪ ዝግበር ኣገባብ ቊጽጽር፡ ፈውሲ ባልዕን ምሕደራኡን፡ ኣብ ድንሽን ኣእካልን ዝርአ ባልዕን ኣገባባት ምቊጽጻሩን፡ ዝብሉን ካልኦትን ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

Categories