ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብቕዓት ኣዝርእቲ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ፡ ብ6 ነሓሰ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኻዪዱ።

እቲ ወከልቲ ሓረስቶትን ሰብ ሞያ ሕርሻን ዝተሳተፍዎ ዓውደዘተ፡ ሓረስቶት – ዝተጻረየ፡ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ፡ ምስ ከባቢኦም ዝሳነ፡ ደርቅን ሕማማትን ዝጻወር ምሩጽ ዘርኢ ተጠቒሞም፡ እቶቶም ዘኻዕብቱሉ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ፡ ሓላፊ ዞባዊ ኣገልግሎት ቁጽጽር ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ሓጐስ ገብረማርያም ሓቢሩ።

ክኢላታት ቁጽጽር ዘርኢ – መንእሰያት ከሰተ እዮብን ዜናዊ ተስፋብርሃንን፡ ምሩጽ ዘርኢ ምብዛሕን ንብቕዓቱ ዝግበር ቁጽጽር ምሕያልን፡ ንዓይነትን መጠንን እቶት ሓረስቶት ብእወታ ዝጸሉ ረቛሒ ምዃኑ ብምሕባር፡ መስርሕ ምብዛሕን ቁጽጽርን ዘርኢ ልዑል ኣድህቦን ጥንቃቐን ከምዝግበረሉ ገሊጾም።

እቶም ክኢላታት ብተወሳኺ፡ ብሕጋጋት ምብዛሕ ዘርኢን ግቡእ ሞያዊ መስርሕን ዝሓለፉ ብቑዓት ኣዝርእቲ ኣብ ምሓዝ፡ ተሳትፎ ሓረስቶት ወሳኒ ብምዃኑ፡ ሓረስቶት ማእከል ዝገበሩ መደባት ክትግበሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኣብ መስርሕ ምብዛሕ ዘርኢ ዝሕግዙ መሳለጥያታት ኣድህቦ ክግበረሎም፡ ኣብ እዋን ምእካብ ኣዝርእቲ ዝፍጠር ምትሕንፋጽ ኣእካል ንምውጋድ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories