ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ 700 ሄክታር ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን፡ ካብ ጠለባት ዕዳጋ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝሓልፍ ፍርያት ይህብ ከምዘሎ፡ ክኢላ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ መንግስተኣብ ኣርኣያ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝፈረየ ዝተፈላለየ ዓይነታት ኣሕምልቲ፡ ናብ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈን ሰገነይትን ከምዝለኣኽ ዝጠቐሰ ኣቶ መንግስተኣብ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይፍለጥ ዝነበረ ልምዓት ጻዕዳ ሽጉርቲን ቀይሕ ሽጉርትን እውን ተኣታትዩ ጽቡቕ ምህርቲ ይሕፈሶ ከምዘሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ብብዝሒ ዝለምዕ ዘሎ ፍረታት እውን ኣተባባዒ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ተጠቀምቲ ብወገኖም፡ ዝደለይዎ መጠን ብርትዓዊ ዋጋ ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምምስካር፡ ንዝያዳ እቶት፡ ነቶም ኣልማዕቲ ደገፍ መንግስቲ ከይፍለዮም ኣዘኻኺሮም።

ኣቶ መንግስተኣብ፡ ቅድሚ 5 ዓመታት ኣብቲ ዞባ ብሓደ ኣብነታዊ ሓረስታይ ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ዝተረኽቦ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ፡ ብሰፊሑ ንምትእትታው ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ን15 ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ 97 ኩንታል ከምእተዓደለን ተዘሪኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎን፡ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

Categories