ብ5 ነሓሰ ኣብ ከባቢ እንጅሓይ – ንኡስ ዞባ መንሱራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር፡ ናይ ዝተሰውኡ 4 ሓርበኛታት ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 9 ነሓሰ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

እቶም ዝተሰውኡ ዜጋታት፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ – ካፕቴን ንጉሰ ናይዝጊ፡ ምክትል ተለንተ ሙሴ ገብረሂወት፡ ጁ/ኤክ ተወልደመድህን እስቲፋኖስ፡ ከምኡ’ውን ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት – ሰርጌንቲ ሽሻይ ተስፋማርያም እዮም።

ጠንቂ’ቲ ሓደጋ፡ ሃንደበታዊ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ምንባሩ፡ ካብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የነጽር።

ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንትን ሓይሊ ኣየር ኤርትራን፡ ብመስዋእቲ ናይ’ዞም ውፉያት ሓርበኛታት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራ-ቤታቶም፡ መሳርሕቶምን ፈተውቶምን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብሉ።

Categories