ብማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ሃገራዊ ትካል ሕርሻዊ ምርምር ሓልሓለ (ሃ.ት.ሕ.ም.ሓ) ኣብ ዝተወደበ ዑደት፡ ኣብ ሃገራዊ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ – መንደፈራ ዝበጽሑ ኣባላት ናይ’ቲ ትካል፡ ኣብ’ቲ ማእከል ንዝእለያ ዘለዋ ግዳያት ዓይነታዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ኣብ’ቲ ብ6 ነሓሰ ዝተኻየደ ናይ ምብጻሕ መደብ ዝተሳተፉ ኣባላት’ቲ ትካል፡ ካብ ደሞዞም ኣዋጺኦም ዝዓደጉዎ ናይ ጽሬትን ካልእን ዘጠቓልል መሳለጥያታት፡ ነተን ተኣለይቲ ሕሙማት ኣረኪቦም።

ዕላማ’ቲ ምብጻሕ፡ ንተሓከምቲ ፊስቱላ ንምትብባዕ ከምዝኾነ፡ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ገሊጸን።

ሓላፊ ሃገራዊ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ዶ/ር ሃብተ ሃይለመለኮት፡ ግዳያት ፊስቱላ ናጻ ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽባ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጒምቲ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ፡ ናብ ንቡር ህይወት ተመሊሰን ናብራአን ክቕጽላ ዝካየድ ናይ ተሃድሶ መደባት ኣተባባዒ ምዃኑ ገሊጹ።

ፊስቱላ ምሉእ ብምሉእ ክውገድ እንተኾይኑ፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ፡ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ሸለልትነት ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርስን ዝኣመሰሉ ድሑር ልምድታት ክውገዱ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

Categories