ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓደርደ – ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ጽሬት ከባቢኦም ብምውሓስ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ሕማማት ንምቁጽጻር ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ወኪል ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ ዳንኤል ኪዳነ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓደርደ ንዝወሰዱዎ ተበግሶ ብምምጓስ፡ እቲ መደብ መርኣያ ናይ’ቲ በብግዜኡ ዝዓቢ ዘሎ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣቑርደት፡ ዶክተር ወልዱ ዮውሃንስ፡ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ኩለን ዓድታት ንምርግጋጽ፡ ብዕቱብ ክስራሓሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ክሳብ ዓመተ-2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ተጠቃምነት ዓይኒምድሪ ኣብ ዓድታት ንምርግጋጽ ይስራሓሉ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።

Categories