ኣብ ሰገነይቲ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ብውሕጅ ዝብሕጎግ ዝነበረ መዓርፎ ኣውቶብሳትን መጸበዪ ሰብን፡ ቢንቶ ተሰሪሑሉ ዝነበረ ሽግር ተቓሊሉ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምእተዛዘመ ዝሓበረ – መራሒ ስራሕ ኣቶ ፍስሃየ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኩሎም ንዘርኣዩዎ ተወፋይነት ሞጒሱ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ገብረመስቀል ድማ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ምክልኻል ውሕጅን ዕልቕልቕን ከይተሓጽረ፡ ጽሬት ከተማ ኣብ ምውሓስ እውን ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጹ።

Categories