ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ፈልሲታት ከም እተተኽለ፡ ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዞባ ማእከል – ሓላፊ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ሓቢሩ።

መምህር ኣብርሃም በርሀ፡ ሎሚ ዓመት ንሓደ ወርሒ ኣብ 67 ነቝጣታት ዝተዋፈሩ ኣስታት 9 ሽሕ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ብዘይካ ምትካል ፈልሲታት፡ ልዕሊ 55 ሽሕ ሜተር ቅናታዊ ዛላታት ከምዝሰርሑ፡ 141 ሽሕ ንፈልሲ ዝኸውን ጎዳጉዲ ከምዝዀዓቱ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ሰደቓታት ከምዝጸገኑ ገሊጹ።

እቲ ስራሕ ዝምስገን’ኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለየ ጸገማትን ሕጽረታትን፡ ካብ’ቲ ክትከል ዝነበሮ ፈልሲታት – እቲ ሓደ ርብዒ ጥራይ ከምእተተኽለ፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሓላፊ ወኪል በዓልስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ፡ መስርሕ ምትካል ፈልሲታት፡ ብሰንኪ ምድንጓይ ዝናብ ከም’ቲ ዝተሓስበ ክትግበር ከምዘይከኣለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ጽቡቕ መጠንን ዝርጋሐን ዘለዎ ዝናብ ይወቅዕ ስለዘሎ፡ እቲ ዝተረፈ ብምምሕዳራትን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ክትከል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ማእከል ካብ ዝትከል ፈልሲታት ኣግራብ፡ እቲ 80 ሚእታዊት ከምዝጸድቕ፡ ሰነዳት በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን የረድእ።

Categories